You are here: Home
  • ጓጓኣ ዝመልአት ኣውዳ ጓጓ!

    ብሓገዝ ገንዘብ ዩኤስ ኣይዲ /USAID/ ኣቢሉ ዝተሰርሐ ልምዓት መስኖ ሕርሻ ንምዕዛብ ብኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ዶናልድ ቡዝ ዝተመርሐ ጉጅለ ላዕለውት ሰበስልጣን እቲ ትካል ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ምብፃሕ ኣካይዱ ነይሩ::ምስ ሓለፍቲ ዲፖርትመንት ማረት ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ዕላዊ ምብፃሕ ዝገበሩ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዶናልድ ቡዝ በቲ ዝተሰርሐ ልምዓት መስኖን ፅፈት ስርሑን ዕጉብ ምዃኖም ገሊፆም እዮም፡፡

     

     

     

     

     

     

    ኣብ ኢትዮያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዶናልድ ቡዝ ኣብቲ ቦታ ዑደት እንትገብሩ

    ውዳ ጓጓ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ዓዲ ቕሳንድድ ዝርከብ መፋስስ እዩ፡፡ እዚ ካብ ዋና ኣስፋልቲ መንገዲ ንኣንፈት ምብራቕ ተጓዒዝካ ዝርከብ ሽጉሽግ መፍስስ ንሓያሉ ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ዝወቕዕ ዝነበረ ማይ ኣብ ጥቕሚ ከይወዓለ ዝፀንሓሉ ከባቢ እዩ፡፡ ሕብረተሰብ እቲ ኸባቢ እውን ኣብ ዓመት ሓደ ሻብ ጥራሕ እዩ ዘፍሪ ነይሩ፡፡ ካብ ሰማይ ዝወርድ ዝናብ ብምጥቃም፡፡ ዝናብ ኣብ ወቕቲ ኣዝመራ ጀሚሩ ክሳብ መባእታ መስከረም እንተዘሊቑ ፅቡቕ ፍርያት ይርከብ፡፡ ከምኡ እንተዘይኮይኑ ካዓ ዓመታዊ እቶት ይውሕድ፡፡ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ድሒሩ ጀሚሩ ቀልጢፉ ስለዘቋርፅ ዘዕግብ ውፅኢት ኣይርከብን፡፡ በዚ ድማ ገባራት እቲ ከባቢ ናብርኦም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ኾይኑ ፀኒሑ፡፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ መፋስስ ኣውደ ጓጓ እውን ዓገብ ዝብሎ ስኢኑ ንበለል ይፈስስ ነይሩ፡፡ ካብኡ ኸ? ካብኡ እማ ዕድመ ንማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ነገረ ዓለሙ ተይሩ ኣሎ፡፡

    ኣብዚ ሕዚ እዋን ማረት ካብ ዩኤስ ኣይዲ /USAID/ ብዝተረኸበቶ ሓገዝ ገንዘብ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ቀረፃ መፋስስ ኣውዳ ጓጓ ኣብ ረብሓ ክውዕል ገይራቶ ኣላ፡፡ ካብ ኣፃድፍ ዝወርድ ዝነበረ ውሕጅ ኣብ ዋና ክሳድ /ፀግዒ እቲ ግድሚ/ ተኸቲሩ መትረብ ተሰሪሕሉ ናብ ገርሁ ገባራት ክፈስስ ተገይሩ፡፡ ካብቲ ግድብ ክሳብ መወዳእታ /ጫፍ/ እቲ ተሓራሳይ መሬት ዝተዘርግሑ ብኪሎ ሜትራት ዝልክዑ መትረባት ገባራት ኣብ ዝጥዕሞም ሰዓት ኣግሊሶም መሬቶም ከልምዑ ሓጊዞምዎ ኣለው፡፡ ኣብ ማእኸል እቲ ተሓራሳይ መሬት እውን ማይ መዋህለልቲ ኣጋንእ /underground tanker/ ተሃኒፆም ኣብ ግልጋሎት ዝውዓሉ እንትኾኑ ዕላምኦም ድማ እቲ ወረዲ ማይ ብተራ ኣብ ዝጥቀምሉ ስዓት ሓጋዛይ ግደ ክህልዎ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ፡፡

    እዚ ን35 መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ዝነበረ ልምዓት መስኖ 25 ሄክታር /100 ፅማድ/ ናይ ምልማዕ ተኽእሎ ዘለዎ እዩ፡፡ ኣብ ዓመት ሓደ ሻብ ዘፍሪ ዝነበረ ሕርሻ መሬት ሎሚ ክልተ ሰለስተ ግዜ እንዳፍረየ ይርከብ ኣሎ፡፡

    እቶም ኣምባሳደር ምስ ተጠቀምቲ እንትዘራረቡ

    ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ዝእመን ስራሕ ብዓይኖም ስለ ዝረኣዩ ድማ ማረት ጭቡጥ ልምዓት ተመዝግብ ከም ዘላ እቶም ኣምባሳደር ቃለምስክርነቶም ገሊፆም እዬም፡፡ ድሕሪ እቲ ዝተገበረ ኣጠቓላሊ ዑደት ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢን ተጠቀምትን ዝርርብ ዘካየዱ እንትኾኑ ተጠቀመቲ ብወገኖም ካብቲ መስኖ ኣዕርዬም ከም ዝተረብሑ ብምግላፅ ግቡእ ቅድመ ምድላው ስልጠናኘ ውን ከም ዝረኸቡ ኣረዲኦም፡፡ እቲ ስልጠና ዘትኮረሉ ዛዕባ ድማ ኣብ ኣጠቓቕማን ቐረብን ምሩፅ ዘርእን ፍራምረን ከምኡውን ፈልስን ረብሕኡን ምዃኑ ኣብ መብርሂኦም ኣስሚሮምሉ እዮም፡፡

    እዚ ሩባ ብምእላይ ኣብ ረብሓ ዝወዓለ ማይ ሓረስቶት ኣውደ ጓጓ ኣብ ጠላዕ ፀሓይ ፆም ኣርባዓ ሽዊት ምሸላ ባሕሪ ኣትክልትን ፍራምረን ኣፍሪዬም ኣብ ሂወቶም ሓሲቦምን ሪኦምን ዘይፈልጡ ሸዊት ሓጋይ ክረኽቡ ኣኽኢልዎም እዩ፡፡ ከም ውፅኢቱ እውን ኣብ መነባብሮኦም ፅቡቕ ለውጢ ሪኦምሉ እዬም፡፡ ንስድረኦም ካብ ምምጋብ ሓሊፎምውን ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ደቆም ኣምሂሮም ካሊእ ወፃኢታት ናብረኦም እውን ኽሽፍንሉ በቂዖም ኣለው፡፡ የዒስ ልምዓት መስኖ!!

Gender Unit

 

In spite of a worldwide increased emphasis being placed on gender equity much w...

Read more...
More:

Best Practices


Some best practices we have gathered from several projects include:

  1. Drainage form...
Read more...

Access to Safe Water in Schools

Access to Safe Water in Schools


Access to clean water is the foundation of all development. For instance, school...

Read more...
More: